ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ብሰንኪ እቶም ኣብ ቈርበትና ዝህልዉ ደቀቕቲ ፍጥረት ዘጋጥም ናይ ቆርበት ሕማም እዩ። ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ፈውሲ ተለኺኻ  ወይ ከኒና ብምውሳድ ክፍወስ ይከኣል እዩ።

 

ናይ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ጠንቂ

ተላጋቢ ሕማም ቖርበት (ዓበቕ) ብሰንኪ ኣብ ቈርበትና ዝህልዉ ደቀቕቲ ፍጥረት እዩ ዚመጽእ ። እዚ ብኸም’ዚ ዝስዕቡ ኣገባባት ክሓልፈካ ይኽእል እዩ፥

  • ምስ ሓደ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት  ዘለዎ ሰብ ጽዑቕ ናይ ቈርበት ምትንኻፍ ምስ ትገብር (እንተ ወሓደ ን15 ደቓይቕ)፣
  • ሓደ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት  ዘለዎ ሰብ ዝተኸድኖ ክዳውንቲ ምስ ትኽደን፣ እሱ ዝተጠቕመሎም ናይ መደቀሲ ኣጭርቕትን ካልእ ዓለባን ምስ ትጥቐመሎም።

ዝዀነ ይኹን ሰብ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት  ክሓልፎ ይኽእል እዩ። እዚ ምስ ብሕታዊ ጽሬት ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን። 

ብተላጋቢ ሕማም ቖርበት  ከም ዝተለኸፍካ ትፈልጠሉ ኣገባብ

ብፍላይ ምሸት ወይ ሃሩር ኣብ ዝዀነሉ እዋን እቲ ሳሓ እንዳገደደ እዩ ዝኸይድ ብኸምዚ ድማ ከም ዝተለኸፍካ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ ቈርበትካ ማይ ይሙዕግን ቀይሕ ሕበጥ ይፍጠርን ወይ ድማ ኣብቶም ደቀቕቲ ፍጥረታት ዘለዎም ቦታታት ቀይሕ ሕንጻጽ ሕንጻጽ ይፍጠር።

ተላጋቢ ሕማም ቖርበት  ንምሕካም ኣቓልቦ ክግበረሎም ዝግባእ ነጥብታት

  • ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ባዕሉ ኣይሓውን እዩ።
  • ፈውሲ ብምልካይ ወይ ከኒና ብምውሓጥ ባዕልኹም ተሓከሙ። ክዳውንትኹምን ከም ኣንሶላ ዝምኣመሰሉ ናይ መደቀሲ ኣጭርቕቱኹምን ምቖቱ 60ºC ብዝኾነ ማይ ጌርኩም ሕጸብዎም ወይ ኣብ እተሓትመ ናይ ጐሓፍ ጎማ ኣቐምጥዎም። ነቲ ናይ ጐሓፍ ጎማ እንተ ወሓደ 18ºC ሙቐት ኣብ ዘለዎ ኽፍሊ ን3 መዓልቲ ኣቐምጥዎ። 
  • እቲ ሙቐት ትሕቲ 18 ºC እንተ ኾይኑ እቶም ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ዘምጽኡ ደቀቕቲ ፍጥረት ክሳዕ ዝሞቱ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። 
  • ደድሕሪ እቲ ሕክምና  እቲ ሳሓ ፈለማ ክውስኽ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ግና በብቝሩብ ክንኪ እዩ ድሕሪ 6 ሰሙን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ እዩ።
  • ኵሎም እቶም ኣብ ሓደ ገዛ ምሳኹም ዝቕመጡን ምሳኹም ብቐረባ ዝራኸቡን ሰባትን ምሳኹም ብሓንሳብ ክሕከሙ ኣለዎም። ወላ እውን እቶም ኣብ ሓደ ገዛ ምሳኹም ዝቕመጡ (ገና) ዘይሓመሙ ሰባት ምሳኹም ብሓንሳብ ክሕከሙ ኣለዎም። ምኽንያቱ ድማ ዋላ ሓንቲ ከይተሰመዖም ኣንከሎ ድሮ በቲ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ዝተለኽፉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። 
  • እቶም ኣብ ሓደ ገዛ ምሳኹም ዝቕመጡን ምሳኹም ብቐረባ ዝራኸቡን ሰባት ምሳኹም ብሓንሳብ ክሕከሙ ኣለዎም። ስለዚ ኣብ ሓንቲ መዓልትን ኣብ ሓደ ሰዓትን ሕክምና ክጅምሩ ኣለዎም።
  • ኵሉ ሰብ ሕክምና ኽሳዕ ዝገብር ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ቈርበት ምትንኻፍ ካብ ምግባር ክቑጠብ ኣለዎ።
  • ዝዀነ ይኹን ምልክታት ሕማም ዘለዎ ሰብ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት  እንተ ኣልይዎ ንምፍላጥ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለዎ። ኣንተደኣ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ከም ዘለዎ ተፈሊጡ ድማ ንሱ ነቶም ምስኡ ርክብ ዝነበሮም ሰባት ከጠንቅቖም ኣለዎም።
  • ድሕሪ እቲ ሕክምና ገና ዘይሞቱ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት  ዘስዕቡ ደቀቅቲ ፍትረጥ ክህልዉ ንእሽቶ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ 2ይ ግዜ ሕክምና ምግባር የድሊ እዩ።

ቀቅድም’ቲ ሕክምና 

  • ድሕር’ቲ ሕክምና ትጥቀምሉ ጽሩይ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ (ኣንሶላ፣ ናይ መተርኣስ መሸፈኒ፣ ናይ ኮበርታ መሸፈኒ) ኣዳልዉ። 
  • ናይ ጐሓፍ ጎማ፣ ተጠቒምካ ትድርብዮ ጓንትን መታሓጻጸቢ ሳምናን ኣዳልዉ።
  • ጎፍጓፍ ጸጉሪ ዘለዎ እንስሳ ዘቤት ኣለኩም እንተ ኾይኑ ሕክምና ድሕሪ ምግባርኩም ን3 መዓልታት ምስቲ እንስሳ ካብ ምትሑቕቓፍ ተቖጠቡ። ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኣንስሳ ኣብ ሕቝፎኹም ኣብ ዓራትኩም ወይ ኣብ ሳሎንኩም ኮፍ ኣይተብልዎ።
  • ነቲ ፐርመትሪነ ዝበሃል ዝልከይ ፈውሲ ወይ ነቲ ኢቨርመክቲን ዝበሃል ከኒና ካብ ፋርማሲ ውሰድዎ።
  • ጽሩይ ክዳውንቲ፣ ሽጎማኖን ናይ ዓራት ኣጭርቕትን ኣዳልዉ። ተወሳኺ ብጃማ፣ ካልስታትን ከም ምታንታ ዝኣመሰሉ ክዳን ውሽጥን እውን ኣይትረስዑ።
  • ነቶም ጽሩያት ክዳውንቲ ካብ ካልኦት ክዳውንቲ ንበይኖም ፍለይዎም። 

1ይ ሕክምና ምጅማር

1ይ መዓልቲ 

  • እቲ መድሃኒት ኣብ ድቃስኩም እንከለኹም ምእንቲ ኽሰርሕ ምሸት ጀምርዎ። 
  • ንኹሎም ዝተጠቀምኩምሎም ናይ ዳሕረዎት 3 መዓልትታት ኽዳውንቲ፣ ናይ ዓራት ኣጭርቕትን ሽጎማኖታትን ኣክብዎም። 
  • ንዅሉ ምቖቱ 60ºC ብዝኾነ ማይ ጌርኩም ሕጸብዎም  ወይ ኣብ እተሓትመ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ ን3 መዓልቲ ኣቐምጥዎ። 
  • ነቲ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ  ኣብ ፍሉይ ቦታ ኣቐምጥዎ። እቲ ቦታ ሙቐቱ እንተ ወሓደ 18ºC ክኸውን ኣለዎ።
  • ብከኒና ዲኹም ትፍወሱ ዘለኹም? 
    • ነቲ ን1ይ ሕምና ተባሂሉ እተኣዘዘልኩም ዓቐን መድሃኒት ውሰድዎ።
  • ብዝልከይ ፈውሲ ዲኹም ትፍወሱ ዘለኹም? 
    • ናይ ኣእዳውኩምን እግርኹምን ኣጽፋር ኣሕጺርኩም ቁረጽዎ።
    • ኣቐዲምኩም ነብስኹም  ክትሕጸቡ ይከኣል እዩ ግድን ግን ኣይኰነን። ነብስኹም ድሕሪ ምሕጻብኩም መጀመርታ እቲ ቘርበትኩም ከም ዝዝሕል ግበሩ። 
    • ነዊሕ ጸጕሪ ምስ ዝህልወኩም ጠርኒፍኩም ንላዕሊ እሰርዎ።
    • ካብ ምንጋጋኹም ንታሕቲ ኽሳዕ ከብዲ ኣእጋርኩም ምሉእ ብምሉእ ፈውሲ ተለኸዩ። ኣብ ትሽትሽኩም፣ ኣብ መንጎ መቐመጫኹም፣ ኣብ ደግኣዊ ክፋል ብልዕትኹምን ኣብ መንጎ ኣጻብዕትኹምን እውን ፈውሲ ተለኸዩ።
    • ካልእ ሰብ ዝባንኩም ከም ዝለኽየኩም ግበሩ። እዚ ሰብ እዚ ሕክምና ዘይገብር እንተደኣ ኾይኑ ተጠቂምካ ዝጐሓፍ ናይ ኢድ ጓንቲ ክገብር ኣለዎ።
    • ኣእዳውኩም ምሉእ ብምሉእ ፈውሲ ተለኸይዎ። 
    • ነቲ ዝልከይ ፈውሲ ብዝኣረገ መሕጸቢ ስኒ ብራሽ ጌርኩም ኣብ ውሽጢ ጽፍርኹም ከም ዝኣትው ግበሩ።
    • ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተለኸኹም ኣረጋግጹ። 
    • ነቲ ክሬም ን12 ሰዓታት ክሰርሕ ሕደግዎ። 
    • ኣንተደኣ ኣብ መንጎ ናብ ሽቓቕ ኼድኩም ኣብ ከባቢ ሕፍረትኩም እንደገና እቲ ፈውሲ ተለኸዩ። 
    • ኣንተደኣ ኣብ መንጎ ኣእዳውኩም ተሓጺብኩም ብድሕሪኡ ኣብ ኣእዳውኩም እንደገና ፈውሲ ተለኸዩ። 
  • ጽሩይ ብጃማ ተኸደኑ።
  • ጽሩይ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ ኣብ ዘለዎ ዓራት ደቅሱ። 

ንኣሽቱ ቘልዑን ሕጻናትን

  • ክሳዕ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሕጻናት ምሉእ ብምሉእ ፈውሲ ልኸይዎም። 
  • ኣብ ገጾም፣ ርእሶምን ኣእዛኖምን እውን ፈውሲ ልኸይዎም። ኣብ ኣዒንቶምን ኣፎምን ኣይትልከይዎም። 
  • ፓምፐር ክትቅይርሎም እንከለኹም ኣብቲ ምስ ፓምፐር ዝተናኸፍ ክፍሊ ኣካሎም  እንደገና ፈውሲ ልኸይዎም። 

2ይ መዓልቲ

  • ሕክምና ምስ ገበርኩም ድሕሪ 12 ሰዓታት ሕማም ከተመሓላልፉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
  • ሕጂ ነብስኹም ኽትሕጸቡ ትኽእሉ ኢኹም። 
  • ነብስኹም ብጽሩይ ሽጎማኖ ጌርኩም ኣንቅጹ ኣብ መሕጸብ ነብሲ ክፍሊ ትጥቀምሉ ምንጻፍ ጽሩይ ክኸውን ኣለዎ።
  • ጽሩይ ክዳውንቲ ተኸደኑ።
  • ተጠቂምካ ዝድርበይ ናይ ኢድ ጓንቲ ልበሱ።
  • ነቲ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ ኣልግስዎ።
  • ነቲ ናይ መወዳእታ ዝሕጸብ ኣጭርቕቲ ኣክብዎ (ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ፣ ብጃማ፣ ከም ምታንታ ዝኣመሰሉ  ናይ ውሽጢ ክዳውንቲ) ንዅሉ ድማ ምቖቱ 60ºC ብዝኾነ ማይ ጌርኩም ሕጸብዎ  ወይ ኣብ እተሓትመ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ ን3 መዓልቲ ኣቐምጥዎ። 
  • ነቲ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ ኣብ ኣብ ፍሉይ ቦታ ኣቐምጥዎ። እቲ ቦታ ሙቐቱ እንተ ወሓደ 18ºC ክኸውን ኣለዎ እንተ ዘይኰይኑ እቶም ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ዘስዕቡ ደቀቕቲ ፍጥረት ክሳዕ ዝሞቱ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። 
  • ነቲ ተጠቂምካ ዝድርበይ ናይ ኢድ ጓንቲ እንደገና ኣውጽእዎ እሞ ጽሩይ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ ኣብ ዓራትኩም ኣንጽፉ።
  • ንዅሉ እቲ ኣብ መሕጸቢ ማሽን ወይ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ጎማ ክኣቱ ዘይክእል ከም ሳሎን፣ ብጨርቂ ዝተሸፈነ ሰድያ፣ ናይ ምድሪ መንጸፍ፣ ናይ ከልቢ መደቀሲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ድማ ብመስሓብ ዶሮና ማሽን (ስቶፍዟይኸር) ጌርኩም ኣጽርይዎ።

4ይ መዓልቲ

  • ናይ ቤት እንስሳኹም እንደገና ክትደራርዙን ኣብ ሕቕፎኹም ክትገብሩን ትኽእሉ ኢኹም።

5ይ መዓልቲ 

  • እቲ ኣብ 1ይ ወይ 2 መዓልቲ ኣብ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ እተቐመጠ ኣጭርቕቲ እንደገና ካብቲ ኸረጺት ክወጽእ ይኽእል ኢዩ።

7ይ መዓልቲ

  • ን2ይ ሕክምና ዝኸውን ጽሩይ ናይ ዓራት ኣጭርቕትን ጽሩይ ክዳውንትን ኣዳልዉ።

ድሕሪ እቲ 1ይ ሕክምና ገና ዘይሞቱ ተላጋቢ ህማም ቖርበት ዘስዕቡ ደቀቕቲ ፍጥረት ኽህልዉ ንእሽቶ ዕድል ስለ ዘሎ መብዛሕትኡ ግዜ 2ይ ሕክምና የድሊ እዩ።

8ይ መዓልቲ 

  • እቲ መድሃኒት ኣብ ድቃስኩም እንከለኹም ምእንቲ ኽሰርሕ ምሸት ጀምርዎ። 
  • ንኹሎም ዝተጠቀምኩምሎም ናይ ዳሕረዎት 3 መዓልትታት ኽዳውንቲ፣ ናይ ዓራት ኣጭርቕትን ሽጎማኖታትን ኣክብዎም። 
  • ንዅሉ ምቖቱ 60ºC ብዝኾነ ማይ ጌርኩም ሕጸብዎም  ወይ ኣብ እተሓትመ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ ን3 መዓልቲ ኣቐምጥዎ። 
  • ነቲ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ  ኣብ ፍሉይ ቦታ ኣቐምጥዎ። እቲ ቦታ ሙቐቱ እንተ ወሓደ 18ºC ክኸውን ኣለዎ።
  • ብከኒና ዲኹም ትፍወሱ ዘለኹም? 
    • ነቲ ን1ይ ሕምና ተባሂሉ እተኣዘዘልኩም ዓቐን መድሃኒት ውሰድዎ።
  • ብዝልከይ ፈውሲ ዲኹም ትፍወሱ ዘለኹም? 
    • ናይ ኣእዳውኩምን እግርኹምን ኣጽፋር ኣሕጺርኩም ቁረጽዎ።
    • ኣቐዲምኩም ነብስኹም  ክትሕጸቡ ይከኣል እዩ ግድን ግን ኣይኰነን። ነብስኹም ድሕሪ ምሕጻብኩም መጀመርታ እቲ ቘርበትኩም ከም ዝዝሕል ግበሩ። 
    • ነዊሕ ጸጕሪ ምስ ዝህልወኩም ጠርኒፍኩም ንላዕሊ እሰርዎ።
    • ካብ ምንጋጋኹም ንታሕቲ ኽሳዕ ከብዲ ኣእጋርኩም ምሉእ ብምሉእ ፈውሲ ተለኸዩ። ኣብ ትሽትሽኩም፣ ኣብ መንጎ መቐመጫኹም፣ ኣብ ደግኣዊ ክፋል ብልዕትኹምን ኣብ መንጎ ኣጻብዕትኹምን እውን ፈውሲ ተለኸዩ።
    • ካልእ ሰብ ዝባንኩም ከም ዝለኽየኩም ግበሩ። እዚ ሰብ እዚ ሕክምና ዘይገብር እንተደኣ ኾይኑ ተጠቂምካ ዝጐሓፍ ናይ ኢድ ጓንቲ ክገብር ኣለዎ።
    • ኣእዳውኩም ምሉእ ብምሉእ ፈውሲ ተለኸይዎ። 
    • ነቲ ዝልከይ ፈውሲ ብዝኣረገ መሕጸቢ ስኒ ብራሽ ጌርኩም ኣብ ውሽጢ ጽፍርኹም ከም ዝኣትው ግበሩ።
    • ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተለኸኹም ኣረጋግጹ። 
    • ነቲ ክሬም ን12 ሰዓታት ክሰርሕ ሕደግዎ። 
    • ኣንተደኣ ኣብ መንጎ ናብ ሽቓቕ ኼድኩም ኣብ ከባቢ ሕፍረትኩም እንደገና እቲ ፈውሲ ተለኸዩ። 
    • ኣንተደኣ ኣብ መንጎ ኣእዳውኩም ተሓጺብኩም ብድሕሪኡ ኣብ ኣእዳውኩም እንደገና ፈውሲ ተለኸዩ። 
  • ጽሩይ ብጃማ ተኸደኑ።
  • ጽሩይ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ ኣብ ዘለዎ ዓራት ደቅሱ። 

ንኣሽቱ ቘልዑን ሕጻናትን

  • ክሳዕ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሕጻናት ምሉእ ብምሉእ ፈውሲ ልኸይዎም። 
  • ኣብ ገጾም፣ ርእሶምን ኣእዛኖምን እውን ፈውሲ ልኸይዎም። ኣብ ኣዒንቶምን ኣፎምን ኣይትልከይዎም። 
  • ፓምፐር ክትቅይርሎም እንከለኹም ኣብቲ ምስ ፓምፐር ዝተናኸፍ ክፍሊ ኣካሎም  እንደገና ፈውሲ ልኸይዎም። 

9ይ መዓልቲ

  • ሕጂ ነብስኹም ኽትሕጸቡ ትኽእሉ ኢኹም። 
  • ነብስኹም ብጽሩይ ሽጎማኖ ጌርኩም ኣንቅጹ ጽሩይ ናይ መሕጸብ ነብሲ ክፍሊ ምንጻፍ ተጠቀሙ።
  • ጽሩይ ክዳውንቲ ተኸደኑ።
  • ተጠቂምካ ዝድርበይ ናይ ኢድ ጓንቲ ልበሱ።
  • ነቲ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ ኣልግስዎ።
  • ነቲ ናይ መወዳእታ ዝሕጸብ ጭርቕቲ ኣክብዎ (ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ፣ ብጃማ፣ ከም ምታንታ ዝኣመሰሉ  ናይ ውሽጢ ክዳውንቲ) ንዅሉ ድማ ምቖቱ 60ºC ብዝኾነ ማይ ጌርኩም ሕጸብዎም  ወይ ኣብ እተሓትመ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ ን3 መዓልቲ ኣቐምጥዎ። 
  • ነቲ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ  ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣቐምጥዎ። ነቲ ናይ ጐሓፍ  ከረጺታት ኣብ ፍሉይ ቦታ ኣቐምጥዎ። እቲ ቦታ ሙቐቱ እንተ ወሓደ 18ºC ክኸውን ኣለዎ እንተ ዘይኰይኑ እቲ ናይ ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ሓሰኻ ንኽመውት ነዊሕ ግዜ ክወስደሉ ይኽእል እዩ። 
  • ነቲ ተጠቂምካ ዝድርበይ ናይ ኢድ ጓንቲ እንደገና ኣውጽእዎ እሞ ጽሩይ ናይ ዓራት ኣጭርቕቲ ኣብ ዓራትኩም ኣንጽፉ።
  • ንዅሉ እቲ ኣብ መሕጸቢ ማሽን ወይ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ክኣቱ ዘይክእል ከም ሳሎን፣ ብጨርቂ ዝሽፈን ሰድያ፣ ናይ ምድሪ መንጸፍ ናይ ከልቢ መደቀሲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ድማ ብመስሓብ ዶሮና ማሽን (ስቶፍዟይኸር) ጌርኩም ኣጽርይዎ።

መበል 11 መዓልቲ

  • ናይ ቤት እንስሳኹም እንደገና ክትደራርዙን ኣብ ሕቕፎኹም ክትገብሩን ትኽእሉ ኢኹም።

መበል 12 መዓልቲ 

  • እቲ ኣብ 8ይ ወይ 9 መዓልቲ ኣብ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ እተቐመጠ ኣጭርቕቲ እንደገና ካብቲ ጎማ ክወጽእ ይኽእል ኢዩ።

ንተላጋቢ ሕማም ቖርበት ንምልጋስ ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ምኽርታት

  • ከም ናይ ቈልዑ መሕቖፊ ኣጭርቕቲ፣ ባስታልያ፣ ሻባቶ፣ ሻለ፣ ናይ ርእሲ መንዲል፣ ናይ ኢድ ጓንቲ፣ ቆብዕ፣ ብጨርቂ ዝተሰርሐ መሸፈን ቴሌፎን ዝኣመሰሉ እውን ምቖቱ 60ºC ብዝኾነ ማይ ጌርኩም ሕጸብዎም።
  • ብዓለባ ዝተሰርሐ ሳእኒ ኣብ እተሓትመ ናይ ጐሓፍ መአከቢ ጎማ ን3 መዓልቲ ኣቐምጥዎ። ብዓለባ ዝተሰርሐ ሳእኒ ካልሲ ጌርኩም ልበስዎ። 
  • ከም ሳሎን፣ ብጨርቂ ዝሽፈን ሰድያን ናይ ምድሪ መንጸፍን ዝኣመሰሉ ድማ ብመስሓብ ዶሮና ማሽን (ስቶፍዟይኸር) ጌርኩም ኣጽርይዎ።
  • ብኽዳን ዘይተሸፈነ ክፋል ኣካላትኩም ምስ ናይ መኪና ኮፍ መበሊ እንተ ተተናኺፉ ድማ ነቲ ኮፍ መበሊ ብመስሓብ ዶሮና ማሽን (ስቶፍዟይኸር) ጌርኩም ኣጽርይዎ።
  • ብሃፋ ዝሰርሕ መሳርሒ ኣይትጠቀሙ። እቶም ተላጋቢ ሕማም ቖርበት ዘማሓላልፉ ደቀቕቲ ፍጥረት ብሃፋ ኣይሞቱን እዮም። 

ካብ መርበብ ሓበሬታ ትሕዝቶ ኣውርዱ፦ ንዓበቕን ኣገባብ ኣፈዋውሳኡን ዝምልከት ስእላዊ ሓበሬታ